[ditty_news_ticker id=”364″]
[ditty_news_ticker id=”388″]

ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ ኢዮም እሞ፡ ብጹኣን ኢዮም። ወንጌል ማቴዎስ 5:9           Saliga de som håller fred, de skall kallas Guds söner. Matt 5:9

ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስቶክሆልምን ከባቢኣን ዝቕመጡ ምእመናን፡ ብእምነትን ባህልን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት መንፈሳዊ ኣገልግሎት፣ ከም ስርዓት ቃል ኪዳንን ጸጋ ጥምቀትን ንምርካብ ዘጋጥሞም ንዝነበረ ሽግር ንምፍታሕ፡ ብግዱሳትን ውሑዳትን ኤርትራውያን ፡ ኣብ መጀመርታ ሰማንያታት ከም ማሕበር ተመስሪታ።

ኩሩዕ ባህሊ፣ ፍቕሪን ልቦናን ወለድና ዓቒባ፣ ክብሪ ህዝባ ሓልያን ኣሕሊፋ ከይሃበትን፣ ብትእዛዝን ቃልን እግዚኣብሔር ጥራሕ ትምራሕ ካብ ኩሉ ዓይነት ጸቕጥን ምጽወታን ነጻ ዚኾነት፣ ንዋላ ሓደ ወገን ከም ጸላኢ ዘይትፍርጅ ናይ ፍቕርን ሓልዮትን ቤት ኣምላኽ እያሞ፣

ቤት ኩልና ስለዚኾነት መርሓባ

ኣገልግሎትና

  • ቅዳሰን ማህለትን
  • ጥምቀት
  • መርዓ
  • ቀብርን ፍትሓትን
  • ቤት ትምህርቲ ሰንበት
  • ትምህርቲ ሃይማኖት ንዓበይቲ
  • ወዘተረፈ    

ኣባልነት

ሓደ ምእመን ኣባል ንሙዃን ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከማልእ ኣለዎ

  • መንነት (legitmation) ናይ ሽወደን
  • ስም ክርስትና
  • ቁ-ቴሌፎን
  • ትሕቲ 18 ዓመት ምስ ኣቦ ወይ ኣደ ይምዝገቡ (ዕለት ልደት የድሊ)
  • ኢመይል ኣድራሻ ክህልዎ ተመራጺ ይከውን፣

ትምህርቲ ሰንበት

 

ቤት ትምህርቲ ሰንበት

ንመናእሰያትን ህጻናትን ክፉት’ዩ!

# ዘወትር ዓርቢ ካብ ሰዓት 18-21 ንመናእሰያት። ከምኡ ውን ሰንበት ንህጻናት።

ኣድራሻ:  Loftengatan 32 – 34

ዕላማ ኣባልነት

  • ብዛዕባ ሃይማኖትካ ብግቡእ ፈሊጥካ ንሂወትካ ኣብዛ ቅድስቲ ሃገረ ኣግዚኣብሄር ዝተሰመየት ቤት ኣማዕቚብካ ብመንገዲ እግዚኣብሔር እናተመሃርካ ብመንፈሳዊ ህይወት ምጓዓዝ ማለት ኢዩ።
  • ሓደ ምእመን ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዘለዎ ግቡእነትን መሰልን ተረዲኡ ብመንፈሳዊ ኣገባብ ተሳታፍነቱ ከም ዘረጋግጽ ምግባር።
  • ኩሉ ኣባል ናይ ኣባልነት ካርድ ክሕዝን ክፍሊታቱ ኣብ ግዜኡ ክፍጽምን መንፈሳዊ ግዴትኡ እዩ።
  • ሓደ ኣባል ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ክሳተፍን ክመርጽን ክምረጽን ከምኡውን ርእይቶ ክህብን መሰል ኣለዎ።
  • ንዕብየት ቤተ-ክርስቲያን ኩሉ ኣባል ብልብን ተወፋይነትን ንኽሰርሕ ጻዕርታት ምክያድ።
  • ከምቲ ኣብ ማእከልኩም ክነብርሲ መቅደስ ስርሑለይ ኢሉ ዝኣዘዘና ናይዚ ቃል ርዝነት ተረዲእና ብሓያል ተበግሶን ሰናይ ድልየትን ብቅኑዕ ልብን ተወሃሂድና ወነንቲ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያና ክንከውን ኢዩ።

Medlemsavgift

 

ዓመታዊ ክፍሊት ኣባልነት 600 ክሮነር ኮይኑ ነዚ ድማ ብከምዚ ኣገባብ ክኽፈል ይከኣል።

  • ካብዚ 2016 ዝጀመረ ናይ autogiro system ወርሓዊ 50 ክሮነር፣ ፎርም ብምምላእ፣ ዝኽፈል ኣገባብ ኮይኑ ፣እቲ ዝበለጸን ዝጸፈፈን እዩ፣ ነዚ ክውን ኣብዚ ንጠውቕ
  • ተመዝጊብና ናብ ኣድራሻ ናብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ምልኣኽ የድሊ።
  • ናይ ዓመት ብሓደ ጊዜ 600ክሮነር ብኢንተርነት (bankgiro) ወይ ብጥረ ገንዘብ (kontant) ክኽፈል ይከኣል
  • ወርሓዊ 50 ክሮነር ብጥረ ገንዘብ (kontant) ውን ከም ሳልሳይ ምርጫ ይከኣል
  • ከምእውን እናመቓቐልካ ክኽፈል ይከኣል። ንኣብነት 100. 200,300…….ክሮነር

ለበዋ

  • ብዝተኻእለ መጠን ክፍሊት ኣብ ግዚኡ ክኽፈል
  • ኣብዚ ጽሑፍ ብሩህ ዘይኮነ እንተሎ ንክፍሊ ኣባልነት ብኣካል ኮነ ብቴሌፎን ምውካስ የድሊ። ርከቡና ኣብ ዝብል ኣብታሕቲ ናይዚ ዓምዲ ተወከሱ።

ጥምቀት

በሰመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።

ኩሉ ተገልጋሊ ጥምቀት ነዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ  ከማልእ ኣሎዎ።

  1.  ስርዓተ ጥምቀት እንታይ ምዃኑ ብግቡእ ምርዳእን ምፍላጥን
  2.  እቲ ዝጥመቕ ህጻን ጸጒሪ ርእሱ/ሳ ምልጻይ
  3.  እቲ/ እታ ዝሕዞ/ ትሕዞ ኣባልገ ናይ ኦርቶዶክስ ኣማኒ/ት ክኸውን/ ክትከውን ኣለዎ/ዋ
  4.  ንግሆ ሰዓት 08.00  ኣብ ቤተ ክርስትያን ምርካብ
  5.  ግቡእ ክዳን ቤተ ክርስትያን ምኽዳን ጸጕሪ ርእሲ ምሽፋን
  6.  ኣባልገ ቀረባ ዘመድ ክኸውን የብሉን/ላን
  7.  ክፍሊት ኣገልግሎት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቀዲምካ ምኽፋል
  8.  ቅድሚ መዓልቲ ጥምቀት ተወሓደ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ምስ ኣበነብስ ርክብ ክግበር ግድን እዩ
  9.  ጥምቀት ኣለኒ ኢልካ፣ ቅድሚ ምስ ክፍሊ ሕሳብ ምርካብካን ቆጸራ ምግባርካን፣ ኣብ ቁጽሪ ሕሳብ ቅድስት ቤተክርስትያን ምክፋል ኣይፍቀድን

መርዓ

ሓደ ሰብ ቃልኪዳን ክኣስር ምስ ዝደሊ ነዞም ዝስዕቡ ከማላእ ይግደድ።

  • ክምርዓው ዝደለየ ቅድሚ ሕጂ ቃል ኪዳን ከምዘይኣሰረ|ት ብጹሑፍ የመልክቱ።
  • ብወገን ወዲ 3ተ መሰካክር ብወገን ጓል ከኣ 3ተ መሳካክር ሒዞም ይቀርቡ።
  • ክልተ ስኣሊ ናይ መርዓዊ ክልተ ስእሊ ናይ መርዓት የቅርቡ።
  • ሰዓታት ቤተክርስትያንን ኣከዳድናን ስርዓተ ቤተክርስትያን ከማልኡ ይግደዱ።
  • እቲ መርዓዊ ወይ እታ መርዓት ካብ ስቶኮሆልም /ሽወደን / ወጻኢ ዝቕመጡ እንተ ኮይኖም ካብቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ብሕጊ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሲኖዶስ ዝምራሕ ቤተክርስቲያን ናይ ደገፍ መሰነይታ ወረቀት ሒዙ ይቀርቡ።
  • ናይ ኣገልግሎት ገንዘብ ብPlusgiro ወይ Bankgiro ኣቀዲምካ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምስ ዝምልከቶ ኣካል ተራኪብካ፣ ክፍሊት ምጽፋፍ።
  • ቅድሚ መዓልቲ መርዓ ተወሓደ፣ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ምስ ኣበነብስን ክፍሊ ሕሳብን ርክብ ክግበር ግድን እዩ።
  • መርዓ ኣለኒ ኢልካ፣ ቅድሚ ምስ ክፍሊ ሕሳብ ምርካብካን ቆጸራ ምግባርካን፣ ኣብ ቁጽሪ ሕሳብ ቅድስት ቤተክርስትያን ምክፋል ኣይፍቀድን።
  • ከምኡ ውን ካብ ሃገረ ሽወደን ወጻኢ ክምርዓዉ ዝደለዩ ኣቀዲሙ/ማ ናይ መሰነይታ ወረቀት ምስ ዝደልዩ ክልተ ሰሙን ቅድሚ ነቲ ቃልኪዳን ወይ መገሻ ክተርፎ ከሎ ብጹሑፍ ንቤተክርስትያን ቅ/ድ/ል/ማርያም ስቶኮሎም ይሓትት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ስምኩም፣ ስም ኣቡኹምን ኢመይል ኣድራሻኹምን ኣብዚ ልኣኹልና!

10 + 9 =