ብዛዕባ

ቤት ትምህርቲ ሰንበትና

ቤት ትምህርት ሰንበት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ቤት ትምህርቲ ሰንበት’ ዝብል ብቐጥታ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ደኣ ኣይሃሉ እምበር፡ እዚ ሕጂ ኣብ ኣብያተ ት/ሰንበት ዝግበር ማለት ንሕፃናት ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ንሕገ እግዚኣብሔር ምምሃር ግና ዝነበረ’ዩ። ንምሳሌ፥ ኣብ ዘዳግም “ነዚ ትእዛዝ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ኣእምሮኹምን ኣንብርዎ፡ ንምልክት ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፡ ኣብ ግንባርኩም ድማ ክታብ ይኹን፡ ኣብ ቤትኩም ኮፍ ምስ በልኩም፡ ኣብ መገዲ ክትከዱ ከሎኹምን ኣብ ምድቃስኩምን ኣብ ምትንሣእኩምን ብእኡ እናተዛረብኩም፡ ንደቅኹም ምሃርዎም” ዝብል ንባብ ንረክብ ኢና። (ዘዳ. 11፡18-21)
እስራኤላውያን ንደቆም ሕገ እግዚኣብሔር ክምህርዎም ተኣዚዞም እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ ንደቆም ኣብ ቤቶምን ኣብ ቤት እግዚኣብሔርን ሕገ ኦሪት እናመሃሩ ከም ዘዕበዩዎም መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝሰብከሉ ዝነበረ እዋን ደቀ መዛምርቱ “ኣብ መንግሥተ ሰማያት መን ይበልጽ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ ኣብ ማእከሎም ሕፃን ደው ብምባል ‘እንተ ዘይተመለስኩም፡ ከምዚ ሕፃን’ዚ እንተ ዘይኮንኩም ናብ መንግሥተ ሰማያት ከቶ ከም ዘይትኣትዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።’ ብምባል ንሕፃናት ናይ ትሕትና ምሳሌ ገይሩ ከም ዝገለጾም ንርዳእ። (ማቴ. 18፡2-4) ብዛዕባ ትሕትና ኣብ ዝመሃረሉ እዋን’ውን “ እቲ ሓለቓ ኪኸውን ዚደሊ ድኅሪ ኵሉን ኣገልጋሊ ኵሉን ይኹን” ድኅሪ ምባል “ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ቘልዑ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ንኣይ እዩ ዚቕበል” ብምባል ሕፃናት ናይ ኵሉ መንፈሳዊ ግብሪ ምሳሌ ከም ዝኾኑ ተዛሪቡ እዩ። (ማር. 9፡35-36)
ሕፃናት ናብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክመጹ ርእዮም ደቀ መዛሙርቱ ምስ ገሠፅዎም፡ ጐይታ ግና ከምዚ ክብል ተዛረበ “መንግሥተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ኅደግዎም ሕፃናት ናባይ ምምጻእ ኣይትኽልእዎም” ብምባል ሕፃናት ናብ እግዚኣብሔር ክቐርቡ ዝግብኦም ምዃኖም ኣረድኦም። (ማቴ. 19፡14)።
ቤተ ክርስትያና ውን ስብከተ ወንጌል ንምስፋሕ ካብ ዘድልዩዋ ነገራት ሓደ ምምሥራት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ክርስቲያን ብዙኃት ቤ/ት/ሰንበት ተመሥሪቶምን ይምሥረቱን ኣለዉ።
ትምህርቲ ሰንበት፦ ማለት ፍልልይ ፆታ ከይተገብ9ረ ሕፃናትን መንእሰያትን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ሥርዓተ ትምህርቲ ኣብ ዕለተ ቀዳምን ሰንበትን ዓበይቲ በዓላትን ኣብ ዝምችእ ናይ ዕረፍቲ ጊዜን ኣብ ዓፀደ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቦም እምነትን ሥርዓትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝመሃርሉን ዘጽንዕሉን ብሠናይ ግብሪ ድማ ንኻልኦትን ነንሕድሕዶምን ኣርኣያ ዝኾኑሉ ቤት ትምህርትን ሥልጠናን ብምክፍፋል ከኣ ዝተፈላለየ መርሓ ግብርታትን መደባትን ብምሥራዕ ዝኾነ ክፋል ሰዓት መዓልቲ ምስ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን (ቅዳሴ፡ ዋዜማ፡ ጸሎተ ሠርክ ወዘይመስሎ) ብዘይጋጮ ኣገባብ መደባቶም ኣብ ዓፀደ ቤተ ክርስቲያን ከካይዱ ይኽእሉ።
ዕላማን ተግባርን ትምህርቲ ሰንበት።
ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ክትምህር ግቡኣ እዩ። ብፍላይ ድማ ነቶም ካብ ሕፃንነቶም ጀሚሮም ብመንገዲ ቅዱሳን ኣቦታቶም ኪምርሑን ኣሠር ፍኖተ ቅዱሳን ኪኽተሉን ዘለዎም መንእሰያት ከምቲ ኣብ ምሳሌ “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምሉእ ሕይወቱ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።” ዝብሎ ዝያዳ ቈላሕታ ሂባ ቅኑዓትን ብቑዓትን ተተካእቲ ምፍራይ ካብቲ ቀንዲ ዕላማታታ እዩ። ብምዃኑ ድማ መንእሰያት ብመንፈሳዊ ትምህርትን ሥነ-ምግባርን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ሰብን ብጥበብን ምስትውዓልን ክዓብዩን ንቤተ ክርስቲያን ካብ መናፍቓን ከም ብሌን ዓይኖም ኪሕልውዋን፡ ከምኡ’ውን ነቲ ካብ ኣቦታቶም ዝተመሃርዎ መንፈሳዊ ትምህርቲ መንፈሱን ዜማኡን ኣበሃህላኡን ዓቂቦም ናብ ወለዶ ምስግጋር ምእንቲ ኪኽእሉ እቲ ዝዓበየ ዕላማ ቤተ ክርስቲያን እዩ።
በዚ መሠረት ቐንዲ ዕላማ ትምህርቲ ሰንበት
1. ከምቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተኣዚዙ ዘሎ ሕፃናት፡ ቈልዑ፡ መንእሰያት ኵሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ሰብን ብጥበብን ብምስትውዓልን ከምዝዓብዩ ምግባር፡ (ሉቃ. 18 ፥16 መክ. 12፥1 ምሳ. 22፥6)።
2. ኵሎም መንእሰያትን ሕፃናትን ሃይማኖትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ብሥርዓትን ብኣገባብን ከም ዝፈልጡን ከምዝርድኡን ምግባር።
3. ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እምነትን ሥርዓትን ትውፊትን ኣብ መንእሰያት ተሓልዩ ከይተለወጠ ከይተበረዘ ብቐጥታ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ምትኅልላፍ።
4. መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት እናተማህሩ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ፈሊጦም ብነገረ መለኮትን ብሃይማኖትን ከምኡውን ብናይ ጥንታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብስለት ኽረኽቡን ንወለዶም ከም ዝትክኡን ንናይ ጽባሕ ቤተ ክርስቲያን ብኃላፍነት ንምርካብ ብቑዓት ንኺኾኑ ምግባርን።
5. መንእሰያት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብነትን ኣሰርን ኣቦታቶም ከም ዚስዕቡ ብምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ሥራሕ ቤተ ክርስቲያን ብኣላይነት ኣቦታቶም ተሳተፍቲ ንኺኾኑ ምዅስኳስ።
6. መንእሰያት ፈጸምቲ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኪኾኑ ቃለ እግዚኣብሔር ተማሂሮም ንወለዶምን ካብኦም ንዝዓበዩን ኣኽበርቲ ንኺኾኑ፡ ብሓፈሻ ብሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ተሓኒፆም ንኺዓብዩን ጽቡቕ ኣርኣያን ኣፍረይቲ ዜጋታትን ንኺኮኑ ምኽኣል። 
7. መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኣብ መንፈሳውን ማኅበራውን ናብራኦም ንዝገጥሞም ዝኾነ ይኹን ነገር ብምኽሪ ኣቦታቶም ብመንፈሳውነት ንኸኅልፍዎን ነንሕድሕዶም ንኺረዳድኡን ክበረታትዑን ምኽኣል።
8. ሕፃናትን መንእሰያትን ናይታ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያኖም ሃብትን ጸጋን ዓውድታት ሥነ ጥበባታን ታሪኻን ትውፊታን ብዝግባእ ንኽፈልጡን ኣበርክቶኦም ንኸዕዝዙን ምቹእ ጊዜን ኣገባብን እናኣዋደድካ ብትምህርቲ ምሥልጣን።
ምንጪ፦ መምርሒ ትምህርቲ ሰንበት

ብቕዓትካን ግዜኻን ሓውስ
ራእይና

ኩሉ ጻዕሪና

ኣብ ቀረባ

ዕላማ ህጻናት ኣብ ቤተክርስትያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

መፍቀሬ ሕፃናት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዛረቦ ቃል’ዩ። ነቶም ሕፃናት ሓሓቍፉ ኢዱ ኣንቢሩ ባረኾም፡ መንግሥተ ኣምላኽ ነዞም ሕፃናት እያ እሞ ናባይ ይምጽኡ ኅደግዎም ኣይትኸልክልዎም በለ። እምበኣር ፍትዋት ሕፃናት ካብዚ ቀጺልና ናብ እግዚኣብሔር መጺኦም ዝተባረኹ ሕፃናት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ጕዕዞ ቤተ ክርስቲያንን ክንገልጽ ኢና።
ቅድሚ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብእምነቶም ዝተመስከረሎም ብዙኃት ሕፃናት ነይሮም እዮም። ሓደ ካብኣቶም ድማ ነቢይ ሳሙኤል እዩ። ነቢይ ሳሙኤል ቅድሚ ምውላዱ ኣደኡ ሃና መኻን እያ ዝነበረት። ወትሩ ድማ እግዚኣብሔር ውላድ ንኽህባ ናብ ቤት እግዚኣብሔር እናኸደት ትልምን ነበረት።

እቲ እትወልዶ ሕፃን ድማ ንቤተ እግዚኣብሔር ከተወፍዮ ምዃና ትመባጻዕ ነበረት። እግዚኣብሔር ከኣ ዝለመንካዮ ዘይከልእ ዝነገርካዮ ዘይርስዕ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ከምቲ ዝለመነቶ ገበረላ። ንሳ’ውን ኣይጠለመትን ከምቲ መብጽዓኣ ንቤተ እግዚኣብሔር ኣወፈየቶ። ነቢይ ሳሙኤል ከኣ ንእግዚኣብሔር ብእምነትን፡ ብትዕግሥትን፡ ትእዛዛቱ እናሓላወ የገልግል ነበረ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነዚ ኵሉ ተግባራቱ ደቂሱ ከሎ “ሳሙኤል” ኢሉ ሠለስተ ጊዜ ጸውዖ። ዋላ’ውን ሳሙኤል ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ዝተጸውዓለን ድምፂ ኣምላኽ ምዃኑ ኣየለሊ እምበር ኣብ ሣልሳይ ጊዜ ካህን ኤሊ ብዝሓበሮ መሠረት ድምፂ ኣምላኽ ምዃኑ ፈለጠ። እሞ ንሕናኸ ኣብዚ እዋን እዚ ድምፂ ኣምላኽ ነለሊ’ዶ፧ ካልኦት ብተመሳሳሊ መንገዲ’ውን ከም ሕፃን ሳሙኤል ዝኣመሰሉ፡ ብዕድመ ናኣሽቱ እኳ እንተ ነበሩ ግና’ኸ ንእግዚኣብሔር ኣሥሚሮምን ፡ ትእዛዛቱ ሓልዮምን እዮም። ዋላውን ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ነገሥታት ፡ ነዞም ሕፃናት “ናብዚ ጣዖት እንተዘይሰጊድኩም ብሴፍ ክትቅተሉ ወይውን ኣብ ቤት ኣናብስት ክትድርበዩ፡ ኣብ ሓዊ ሃልሃልታ ክትጥበሱ ኢኹም” እናበሉ እንተኣፈራርሕዎም፡ ንሳቶም ግና ንኣምላኾም ተኣዘዙ እምበር ኣይፈርሑን። ንሕና ግና ሕፃናት ኣብዚ ዘለናዮ ጊዜ ክትቅተሉ ወይ ብሓዊ ክትነዱ ኢኹም ዝብለና የለን። ናትና መሥዋዕቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ብንቕሓት ምምጻእ፡ ንሥድራና ምኽባርን ፡ ሕጕሳት ኮይና ምንባርን እዩ።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ተወልደ ኣምላኽ እንከሎ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከምቲ ሕፃናት ክንገብሮ ዝግበኣና ተኣዘዛን ኣኽበራን። ከምቲ ንሱ ንኣደኡ ዘኽባራን ዝተኣዘዛን ዝተለኣኻን ንሕና ኸኣ ነቦናን ነዴናን ከነኽብሮም ክንእዘዞምን ይግብኣና። ጐይታ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮነ ‘ናብ ቤተ ኣቦይ ምኻድ ይግብኣኒ እዩ’ ኢሉ ኸደ። ኣብኡ ድማ ነቶም ካህናትን ሊቃውንትን ይሓቶምን ይምልሰሎምን ነበረ። ንሕና’ኸ ሕፃናት ናብ ቤተ ክርስቲያን ኬድና ካብ ኣቦታትና ካህናት ንመሃር’ዶ፧ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ እናመሃረ እንከሎ ብዙኃት ሕፃናት ርኣይዎ። ርእዮሞ እውን ስቕ ኣይበሉን ዋጭ ዋጭ እናበሉ ብታሕጓስ ደድኅሪኡ ሰዓቡ። ነዚ ዝረኣዩ ኣይሁድ ብቕንኢ ተላዒሎም፡ ነቶም ሕፃናት ‘ትም በሉ’ ኢሎም ስቅ ከብልዎም ፈተኑ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና “መንግሥቲ ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እያ እሞ ኅደጕዎም ሕፃናት ናባይ ይምጽኡ ኣይትኸልክልዎም” ኢሉ ነቶም ሕፃናት ባረኾም። ኣስተውዕሉ ሕፃናት! ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እምብዛ እዩ ዝፈትወና። እቶም ዝተባረኹ ሕፃናት ንኣምላኽ ዋጭ ዋጭ እናበሉ ኣመስገንዎ ኽብል ከሎ እናዘመሩ ማለት እዩ። ከምቲ እቶም ሕፃናት ደድኅሪኡ ዝኸዱ ንሕና ኸኣ ደድኅሪ ቃሉ፡ ቤቱ፡ካህናቱ . . . ንኺድ፡ ሕራይ’ዶ፧ ኵሉ ጊዜ ከምቲ ልቢ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት ንቤተ እግዚኣብሔር ቃል ኪዳን ዝኣተወላ ንሕና ድማ ከምኡ ቃል ኪዳን ክንኣትወላ ይግባእ። እቲ ቃል ኪዳን ከኣ “ኢየሩሳሌም (ቤተ ክርስቲያነይ) እንተ ረሲዓኪ የማነይቲ ኢደይ ትረስዓኒ” ንበል። “ካብ ቤተ ክርስቲያን ኣይንፈለ፡ ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን ኵሉ ሳዕ ኣብ ልብና ነኅድር።”
ካብ ድኅሪ ዕርገት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ብዙኃት ኣብነታውያን ቅዱሳን ሕፃናት ንርእይ ኢና። ኣብነት ንምጥቃስ ከኣ ኣባ ኖብ፡ ሕፃን ቂርቆስ. . . ከምኦም ዝኣመሰሉ ካልኦትን። ኣባ ኖብ ካብ ክርስቲያን ዝኾኑ ቤተ ሰብ ተወልደ። ወዲ 12 ዓመት ከሎ ኣቦኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየ። ድኅር’ዚ እዩ ድማ ኣባ ኖብ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ከደ፡ ሓደ ካህን ነቶም ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ዝነበሩ ምእመናን እናሰበኸ ከሎ ብፍቕሪ ሃይማኖት ዝነደደ። ስለዚ ድማ በቲ ዝሰምዖ ትምህርቲ ኣዝዩ ተመስጠ። ንጐይታ ድማ ሓንሳብ ምስ ሰዓቦ ንድኅሪት ኣይተመልሰን። ስለ ክርስቶስ ድማ ብዙኅ መከራ ኣኅለፈ። ጐይታ ድማ የጸናንዖ ነበረ። ብዙኅ ተኣምራት’ውን ይገብር ነበረ። ካብቲ ዝገበሮ ተኣምራት ንምጥቃስ ሓደ መዓልቲ ወተሃደራት ቍልቍል ኣፉ ደፊኦም በትሪ ገይሮም ኣፍንጭኡ ምስ ሃረምዎ ኣፉ ደም ወጸ። እቲ ደም ነቶም ወተሃደራት ምስ ነጠቦም ዕውራት ኮኑ። እቲ መራሒኦም ኸኣ ልሙስ ኮነ። ኣባ ኖብ ግና ንጸላእቱ የፍቅር ስለዝነበረ ምእንቲኦም ጸለየ እሞ ካብቲ ሕማሞም ተፈወሱ። ብጐይታ ከኣ ኣመኑን ተጠምቁን። ሕፃናት ካብዚ ንመሃሮ ንሕና ብጻይና እንተሃረመና ወይውን እንተጸረፈና ሓሪቕና ግብረ መልሲ ክንህቦ ኣይግበኣናን። እንታይ ደኣ ‘ኦ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ይቅረ ግበረሉ ኣይተሓዘሉ’ ብምባል ክንጽልየሉ ይግባኣና። እወ! ኣባ ኖብ ሕፃን እዩ’ሞ ናቱ ታሪኽ ንኣና መምሃርን ጠቓምን እዩ። ስለዚ ከም ኣባ ኖብ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነሥምሮ። ሕፃን ቂርቆስ’ውን ብተመሳሳሊ ዓቢይ ተኣምራት ዝገበረ ሕፃን እዩ። ስለዚ ‘ሕፃን እየ’ ኢልና ርእስና ከየትሓትና ከምዞም ቅዱሳን ክንከውን ይግበኣና።
እወ ሎሚ ዘለና ሕፃናት እግዚኣብሔር ካባና እንታይ ይጽበ፧ ካብ ታሪኽ ዝኃለፉ ቅዱሳን እንታይ ንመሃር፧ ንመሃሮ እኳ ብዙኅ እንተኾነ ካብ ብዙኅ ብኂደቱ ንምጥቃስ ግና ንሕና ሕፃናት ንእግዚኣብሔር ከነፍቅሮ፡ በቲ እቶም ቅዱሳን ዝተጐዓዝዎ ርተዕ መንገዲ ክርስትና ክንከይድ፡ ንቅዱሳን ከነኽብር፡ ቤተ ክርስቲያን ክንመጽእ፡ ብፍላይ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ክንሳተፍ፡ ሥድራና ወለድና ከነኽብርን ካልእ ነዚ ዝኣመሰሉ ሠናይ ተግባራት ክንፍጽም ይግባእ። እዚ ምስ እንገብር እግዚኣብሔር ዝደለናዮ ይህበና ፡ ትምህርቲ ንነፍዕ ፡ ኣቦናን ኣዴናን ይፈትዉና፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ደቀይ ትብለና። ስለዚ ፍቁራት ሕፃናት ኵሉ ጊዜ ከምዚ ክንብል ይግባእ፦
፠ ብዘይካ እግዚኣብሔር ካልእ ኣምላኽ የብለይን!
፠ ብዘይካ ኣደይ ማርያም ካልእ ኣደ የብለይን!
፠ ብዘይካ ቅዱሳን ኣብ ሰማይ ካልእ ቤተ ሰብ የብለይን!
፠ ብዘይካ ተዋሕዶ ካልእ ሃይማኖት የብለይን!
፠ ብዘይካ ሥጋኡን ደሙን ካልእ ኣማናዊ መግቢ የብለይን!
እግዚአብሔር ነዊኅ ዕድመን ዓቢይ ጸጋን ይሃብኩም!
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!

ታሪክ ቤትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ማርያም

በስም ኣብ በወልድ ወመንፈ ስቅዱስ ኣሃዱ ምላኽ ኣሜን

ሓጺር ታሪኽ ኣመሰራርታ ክፍሊ ህጻናት ቤትምህርቲ ሰምበት

ከምዝፍለጥ ቤተክርስቲያን  ቅድስት ማርያም ስቶኮልም በዓል ልደት ንኩሎም ቆልዑ ናይ ልደት በዓል ምክንያት ብምግባር ናይ ምሳሕ እንግዶት ጌርካ  ናይምኽባር ባህሊ ኔሩ  እዚ ቅድሚ ቤትምህርቲ ሰንበት ምጅማሩ ዝነበር እዩ።

ኣብ 2016  6 ቆልዑ መዝሙር ብምልምማድ  ንማርያም ግንቦት ከምዝዝምሩ ተጌሩ  እዚ ዝተገብረሉ ምኽንያት ናይ ቆልዑ መደብ ንምጅማር ሓሳብ  ስለዝነበረ እዩ ድሕሪኡ ብርክት ዝበሉ ዳርጋ 15 ዝኮኑ ቆልዑ ተምዝጊቦም  ሰለስተ መማህራን ብምግባር  ኣብ 2016 ዓ/ም ፈርንጂ ኣብ ሳመር ኣብ ሽስታ ቤተክርስትያን  ኣብታሕቲ ተጀሚሩ ድሕሪ ውሑዳት ኣዋርሕ ናብ ኣካላ ሽርካ ተዘዋዊርና ኣብኡ ዳርጋ ን 10 ዓመታት ቀጺሉ ይርከብ

ኣብዚ መደብ ዳርጋ 140 -150 ዝኮኑ ቆኦልዑ ኣብ ሰለስተ ተኽፊሎም ይምሃሩ ኣለዉ 300 ዝኮኑ ቆልዑ ናብዚ መደብ ይመጹ እዮም ማለት እቲኦም 160 ዝኮኑ ክጥዕሞም ከሎ ዝመጹ እዮም

ዓይነት ቖልዑ ኣብ ሽወደን ዝተወልዱ ኣብ ኤርትራ ተውሊዶም ዝምጹ ክኮኑ ከለዉ እቲ ትምህርቲ ዝወሃብ ብቅልል ዝበለ ትግርኛ እዩ  ዝመሃርዎ ትምህርቲ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ንመምሃሪ ቤትምህርቲ ሰንበት  ዝተዳለዉ ክልተ መጻሕፍትን መዝሙር ስነምግባርን እዩ።

ዕላማ ትምህርቲ *ቆልዓ  ዝከደሉ መንገዲ ኣርእዮ ካባ ኣየልግስን እዩ*  ዝብል መጽሃፍ ቅዱሳዊ ትእዛዝ መሰረት ብምግባር  እምነቶም ቓንቁኦንም ባህሎም መንነቶም ርስቶም ከምዝፈልጡ ጊርካ ምዕባይ ዝዓለመ እዩ። ተራ ቤትክርስትያን ከኣ ንምፍጻም እዩ

ዘለዉ ጸገማት ናይ መምሃሪ ቦታ ጽበትን ምቹእ ዘይሙካንን ከምኡ ድማ ቁጠባን  እዮም  ናይ መማህራን ናይቃንቃ ሕጽረት ማለት ናይ ሽወደን ኣሎና።

ነዚ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ናይ ወለዲ ኮሚቴ ብሙቓም ይስራሕ ኣሎ

ኣዎንታዊ ጎንታት ናይዚ መደብ ዝበዝሑ ቆልዑ ምስ እምነቶም ቤትክርስትያኖም  ከምዝላለዮን  ጌሩ ኣሎ ቃንቁኦም ከምዝሰምዑ ባህሎም ከምዝፈልጡ

ብመንጽር ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ኣብ ትምህርቶም ውጽ ኢታውያን እዮም ስነምግባሮም ከማን ዝምስገን እዩ

ከመሕዋት ኮይኖም ይዓብዩ ኣለዉ

ኣብቀጻሊ ሓደ ብስነምግባር ዝተሃነጸ ንሃገሩን ነህዝቡን ዘገልግል ወሎዶ ይፍጠር ዝብል እምነት ኣሎና እዚ ክንብል ከለና ካብ ባዶ ተበጊስና ኣይኮናን ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ንቆልዓ ዝከደላ መንገዲ ኣርእዮ ካብ ኣኣየልግስን እዩ ስለዝብል ነቲ ጽባሕ ዘስግኣና ሎሚ ንሰርሓሉ ስለዘለና ኢና ናይ እግዛብሔር ፈቃድ ብምትእምማን ከኣ እዩ

ኣብዚ መደብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ይካየዱ እዮም  ከም ስቱድዮ ቢሶክ ትምህርትን ናይ ግሪል መደብ ዝኣመሰሉ እዮም ኣብ ቀጻሊ ናይ ቁጠባ ጽገምና ብምፍታሕ ዝተፈላልዩ መደባት ናይ ምጅማር መደብ ኣሎና

ኣብዚ መደብ ብዝተፈላለየ መንግዲ ንዝትሓጋገዙና ነመስግን ብፍላይ ማማ ለተንጉስ ስለ ነቲ ናይ ቆልዑ ዝነበራ ፍቅርን ትገብሮ ዘነበረት ሓገዘን ነመስገን ኩልና ኣብ ቆልዕ ምህናጽ ኣቅምና ዝፈቅዶ ክነብርክት ንላበው

ጊዚኦም ወፍዮም ከይትሓለሉ ንዘገልግሉ መማህራን ኮሚቴ ወለድን  ዓስቦም እግዛብሔር ይሃበልና ኣሜን .

News

መንፈሳዊ ቤት ንባብ

መንፈሳዊ ቤት ንባብ

ሓድሽ መንፈሳዊ ቤት ንባብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ማርያም  

 

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ ኣሜን
እግዚኣብሔር ዓብዪ ግብሪ ገበረልና፡ ንሕና ድማ ተሓጎስና (መዝ. 126፡3)
ብስራት ካብ ቤት ትምርቲ ሰንበት ቅድስት ማርያም ስቶክሆል

ቤ/ት/ሰ/ቅ/ማርያም ስቶክሆልም ርሑስ በዓል መስቀል ይግበረልና እናበለት ካብ ዕለት 30/09/2017 ጀሚራ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብዝፈቀዶ መሰረት ንኹሉ መእመን ዘገልግለ መንፈሳዊ ቤት ንባብ ክትከፍት ሙዃና ብሓጎስ ተበስር። 
እዚ መንፈሳዊ ቤት ንባብ እዚ ንዕቤት መንፈሳውነትና ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዎ ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ እሞ ኩልና ተሳተፍቲ ናይ’ዚ በረኸት ክንከውን እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብጸግኡ ይደግፈና። 
እዚ መንፈሳዊ ቤት ንባብ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎም ዓበይትን ንኣሽቱን መንፈሳውያን መጽሓፍቲ ዝሓዘ እዩ።
ብተወሳኺ መጻሕፍቲ ተለቂሕካ ብምውሳድ ኣብ ገዛኻ ኮንካ ከተንብብ ከም ዝከኣል ክንሕብር ንፈቱ። 
ቤት ንባብ ዝኽፈተሉ መዓልታት፦ 
1.ወትሩ ሓሙስ ካብ ሰዓት 17፡00-20፡00 
2. ወትሩ ዓርቢ ካብ ሰዓት 17፡00-18፡00 
N.B. እዚ መንፈሳዊ ቤት ንባብ ዕለት 30/09/2017 ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ዝግበር ፍሉይ መደብ ብኣቦታት ተባሪኹ ክኽፈት እዩ።
ስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ኩቡር
ኣሜን

 

ዑደት መራሕ ስራሕ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ

ዑደት መራሕ ስራሕ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ

ዑደት መራሕ ስራሕ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ

ብምክንያት ምምስራት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሽወደን ፣ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድ፣ ዝተገብረ ርክብ ምስ ትምህርቲ ሰንበት

 

ብ ዕለት 12-02-2016 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝተገብረ ጉባኤ ቤት ምህርቲ ሰንበት፣ ቆሞስ ኣባ ሃብተ ወልድ ኣብቲ ኣጋጣሚ ብምርኻብ፣ ምስ ትምህርቲ ሰንበት ድሕሪ ምልላይ ናይ ዕለት ወንጌል ን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት ኣስሚዕም። ቆሞስ ኣባ ህብተ ወልድ ብምክንያት ምምስራት ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣብ ሽወደን ንምስታፍ አዮም ኣብዚ ዕለት እስቶክሆልም ኣትዮም።

 

ትሕዝቶና

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፣ መንፈሳዊ መዝሙር፣ ታሪኽ ቤተክርስትያን ኤርትራ

Lorem ipsum dolor sit amet, consectetur adipiscing elit, sed do eiusmod tempor incididunt ut labore et dolore magna aliqua. Ut enim ad minim veniam, quis nostrud exercitation ullamco laboris nisi ut aliquip ex ea commodo consequat.

Duis aute irure dolor in reprehenderit in voluptate velit esse cillum dolore eu fugiat nulla pariatur. Excepteur sint occaecat cupidatat non proident, sunt in omniem aperiam, eaquae vitae dicta sunt.

ቆልዑን መንእሰያትን

ክፍሊታትን ደረጃታትን ቤት-ትምህርትና

መልእኽቲ መማህራን

ድልየትናን ተሞክሮናን

 ኣብ ቀረባ

v

ምስክርነት

ወለድን ተዓዘብትን እንታይ ይብሉ

”Quis autem vel eum iure reprehenderit qui in ea voluptate velit esse quam nihil molestiae, vel illum qui dolorem eum fugiat quo voluptas nulla pariatur.”

”Excepteur sint occaecat cupidatat non proident, sunt in culpa qui officia deserunt mollit anim id est laborum. Sed ut perspiciatis unde omnis iste natus error sit voluptatem, totam rem aperiam, eaque ipsa quae ab illo inventore veritatis.”

”Lorem ipsum dolor sit amet, consectetur adipiscing elit, sed do eiusmod tempor incididunt ut labore et dolore magna aliqua. Ut enim ad minim veniam, quis laboris nisi ut aliquip ex ea commodo.

ተመሃሮ

ኣለይቲ ቆልዑን መንእሰያትን

መማህራን

ክፍሊታት

ንኹሉ ሕቶታትኩምን ደገፋትኩምን

ሰዓታት ትምህርቲ

ዕለት: ዓርቢ
ሰዓት: 18.00 – 21.00
ኣድራሻ: Loftengatan 32 – 34

Icke-diskrimineringsprincip

Alla barn är välkomna

Praesent sapien massa, convallis a pellentesque nec, egestas non nisi. Quisque velit nisi, pretium ut lacinia in, elementum id enim. Donec sollicitudin molestie malesuada. Lorem ipsum dolor sit amet, consectetur adipiscing elit. Praesent sapien massa, convallis a pellentesque nec, egestas non nisi. Vestibulum ac diam sit amet quam vehicula elementum sed sit amet dui. Donec sollicitudin molestie malesuada. Vivamus suscipit tortor eget felis porttitor volutpat. Pellentesque in ipsum.